ብዘይ ቈጸራ ክትባት ምውሳድ ብኸመይ እዩ ዝግበር?
ኣብ እተፈላለየ ናይ GGD ናይ ክታበት ቦታታት ብዘይ ቈጸራ ኣንጻር ኮሮና ክትባት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። እዘን ቦታታት እዚኣተን ቀወምትን ግዝያውን/ተንቃሳቐስትን ቦታታት እየን። እንተደኣ ክሳብ ሕጂ ቈጸራ ዘይገበርካ ኣለኻ ኮይንካ ነቲ ቀዳማይ፣ ካልኣይ ኣድላዪ እንተ ኮይኑ ድማ ነቲ ሳልሳይ ክትባት ብዘይ ቈጸራ ክትወስዶ ትኽእል ኢኻ። እንተደኣ ድሮቘጸራዝሓዝካ ኮይንካ እሞብዘይ ቆጸራክትክተብ ደሊኻ ድማ እዚ ይከኣል እዩ፣ መጀመርታ ግንነቲ ዝሓዝካዮ ቘጸራክትስርዞ ኣለካ።ብኸምዚ ድማ ብዘየድሊክታበት ካብ ምጉሓፍ ንድሕን ኣለና ማለት እዩ። ክትባት ጸረ ኮሮና ኩሉ ግዜ ብዘይ ክፍሊትን ብድልየትካን እዩ ዝውሰድ።
ናብ ናይክትባት ቦታ ክትከይድ ከለኻ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ማስኬራን ቍጽሪ BSN ዘለዎ ናይመንነት ወረቐትካን ክትማላእ ኣለካ። ኣብቲክትባት ዝወሰደሉቦታ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ማስኬራ ክትገብርን ንሓድሕድካ ድማ 1.5 ሜትሮክትረሓሓቕንኣሎካ። ኣብቲ ክትባት ትወስደሉ ቦታ ምስ በጻሕካ፣ ፈለማ ብዛዕባ ኩነታት ጥዕናኻ ዝምልከቱ ሓደ ሓደ ሕቶታት ክትምልስ ኢኻ። እንተደኣ ነቲናይመጀመርታክትባት ክትክተቦዝመጻእካ ኮይንካ ብኡንብኡ ነቲ ኻልኣይ ክትባት ዝኸውን ቆጸራ ክትገብር ኢኻ። እንተደኣ ብኺኢላሓኪምንሳልሳይግዜ ክታበት ክትወስድዕድመ ዝቐረበልካ እንተኾይንካ ነቲ ናይ ዕድመ ወረቐት ሒዝካዮ ክትመጽእ ኣለካ።
ኣቲ ትወስዶ ዓይነት ክትባት ባዕልኻ ክትመርጽ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ ነዘርላንድስ Moderna ከምኡ ድማBioNTech/Pfizer ዝዓይነቶም ክትባት እዮም ዝወሃቡ ዘለዉ። እንተደኣ ነቲ Janssen ዝዓይነቱ ክትባት ክትወስድ ትመርጽ ኮይንካ ፈለማ እዚ ክትባት እዚ ዘለዎም ምዃኑ ሓበሬታ ንምርካብ ነቶም ኣብ ኸባቢኻ ዘለዉ GGD ክትሓቶም ኣለካ። እቲ ቐዳማይ ትወስዶ ዓይነት ክትባት ኣብቲ ትኽተበሉ ቦታ እዩ ዝምርኰስ። እቲ ኻልአይ ክትባት መብዛሕትኡ ግዜ ከምቲ ቐዳመይቲ ዝወሰድካዮ ክትባት ሓደ ዓይነት እዩ ዝኸውን። እቶም ኣብ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ከቢድ ጸገም ዘለዎም ሰባት እሞ ብኺኢላሓኪምንሳልሳይግዜ ክታበት ክወስዱዕድመ ዝቐረበሎም እቲ 1ይ ወይ 2ይ ግዜ ዝወሰድዎ ክትባት ብዘየገድስ ኩሉ ግዜ እቲ mRNA-vaccin (Moderna of BioNTech/Pfizer) ዝዓይነቱ ክትባት እዮም ዝኽተቡ። ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ነቲ BioNTech/Pfizer ዝበሃል ክትባት ጥራይ እዮም ዝኽተቡ።
ልክዕእዩቈጸራብምግባርእውንክትባት ምውሳድይከኣል እዩ። እንተደኣ ነቲ Janssen ዝዓይነቱ ክትባት ክትወስድ ትመርጽ ኮይንካ ፈለማ እዚ ክትባት እዚ ዘለዎም ምዃኑ ሓበሬታ ንምርካብ ነቶም ኣብ ኸባቢኻ ዘለዉ GGD ክትሓቶም ንመኽረካ።
ክትባት
እንተደኣ ነቲ ቐዳማይክትባት ክትክተብብዘይቈጸራክትመጽእ ኮይንካነዞምዚስዕቡተማሊእካ ምጻእ፦
- ሰነድመንነትካቍጽሪ BSN ዘለዎ (ፓስፖርት፣ካርድመንነትወይናይ ተሽከርከርቲ መምርሒ ፍቓድ)
- ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ማስኬራ
- ንላዕለዋይክፋል ቅልጽምካብቐሊሉጥርሑ ከግብረካ ዝኽእልፍኹስ ዝበለክዳውንቲተኸደን
- እንተደኣ ንሳልሳይግዜ ክታበት ክትወስድ ብኺኢላ ሓኪምዕድመ ዝቐረበልካ ኾይንካ ነቲ ናይ ዕድመ ወረቐት ሒዝካዮ ምጻእ።
ንበይንኻእንተመጻእካእቲ ዝሓሸ እዩ።እንተደኣ ናብቲናይ ክትባት ቦታንበይንኻክትመጽእዘይትኽእል ኮይናካግን 1 ሰብ ምሳኻከተምጽእትኽእልኢኻ። ንኣብነትእንተደኣ ብናይ ስንኩላንዓረብያትኸይድኣሊኻ።ካብ 12 ክሳብ 17 ዝዕድሚኦምመንእሰያትወላዶምወይኣለይቶምሒዞም ክመጹፍቑድእዩ።
ከምንቡርካብዝርርብ ጀሚርካ ካስዕ ክትባት ምኽታብብምሉኡእቲመስርሕፍርቂሰዓትእዩዝወስድ።እዚነቲ ድሕሪክትባት ምውሳድካን15 ደቓይቕምጽባይዘጠቓልልእዩ።ሓደ ሓደ ግዜ ጻዕቒ ኣብ ዝህልወሉ እዋን ንንውሕ ዝበለእዋንክትጽበየድልየካይኸውንእዩ።ብዛዕባኩነታት ጥዕናኻዝገልጽሕቶታትክትመልእከምዘድልየካእውን ኣይትረስዕ ኢኻ።
እተን ብዘይ ቆጸራ ክታበት ዝውሰደለን ቦታታት ቀወምትን ግዝያውን/ተንቃሳቐስትን ቦታታት እየን። ኣብ ገለ ገለ እተን ተንቀሳቐስቲ ቦታታት ናይ መካይን መዓሸጊ ቦታ የለን፣ ምሉእ ብምሉእ ሱንኩላት ክግልግላ ዝኽእላ ቦታታት እውን ኣይኮናን። ሓገዝየድልየካድዩ? እምበኣር መጀመርታ እዚ ዝከኣልእንተዀይኑብምሕታት ሓበሬታ ርኸብ።ኵለንእተንቀወምቲቦታታት ግን ነዞምመሳለጥያታትእዚኣቶም ዘማለኣእየን።
ክትባት
ነቲ ናይ መጀመርታ ክትባት ምስ ወሰድካዮ ነቲ ኻልኣይክትባት ንምውሳድ ብኡ ንብኡ ቈጸራክትገብርኢኻ። ነቲ ካልኣይ ክትባት ድሕሪኽንደይመዓልትታትከም ትኽተቦ ዝምርኰስ ኣብዕድመኻንኣብ ትወስዶ ዓይነት ክትባትን እዩ።
ካልኣይ ክትባት
እወ፣ ነቲካልኣይንክትባት እውን ብዘይቈጸራክትወስዶይከኣልእዩ።እንተደኣ ድሮቘጸራዝሓዝካ ኮይንካ እሞብዘይ ቆጸራክትክተብ ደሊኻ ድማ እዚ ይከኣል እዩ፣ መጀመርታ ግንነቲ ዝሓዝካዮ ቘጸራክትስርዞ ኣለካ።ብኸምዚ ድማ ብዘየድሊክታበት ካብ ምጉሓፍ ንድሕን ኣለና ማለት እዩ። ንኻልኣይ ክትባት ብዝምልከት ኣብ ግምት ከተእትዎ ዘለካ ነገር ኣብ መንጎ እቲ ቀዳማይን ካልኣይን ክትባት ዘሎ ናይ ግዜ ጋብ እዩ። ነቲ ካልኣይ ክትባት ድሕሪኽንደይመዓልትታትከም ትኽተቦ ዝምርኰስ ኣብዕድመኻንኣብ ትወስዶ ዓይነት ክትባትን እዩ፥
Moderna: ነቲ 2ይ ክትባት ትወስዶ ነቲ 1ይ ክትባት ምስ ወሰድካዮ ድሕሪ 28 መዓልታት ኣዩ።
BioNTech/Pfizer: ነቲ 2ይ ክትባት ትወስዶ ነቲ 1ይ ክትባት ምስ ወሰድካ ድሕሪ 28 መዓልታት እዩ። ካብ 12 ኽሳዕ 17 ዓመትንዝዕድሚኦምቆልዑት ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ክትባታትእንተወሓደ ናይ 21 መዓልታት ፍልልይ ክህልው ኣለዎ።
AstraZenca: እንተደኣ እቲ 1ይ ዝተኸተብካዮ AstraZeneca ኮይኑ፣ ኣብቲ ብዘይ ቈጸራ ክትባት ትወስደሉ ቦታ BioNTech/Pfizer-vaccin ዝዓይነቱ ክትባት ኢኻ ክትወስድ።
ክትባት
እወ። ነቲሳልሳይ ክትባት እውን ብዘይቈጸራክትወስዶይከኣልእዩ።ንሳልሳይግዜ ክትባት ዝወሃቡ ሰባት ኣብ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ከቢድ ጸገም ዘለዎም ብኺኢላ ሓኪም ዕድመ ዝተገበረሎም ሰባት ጥራይ ኢዮም።ነቲ ናይ ዕድመ ወረቐት ከኣ ሒዞሞ ክመጹ ይግባእ።
መዝገብ ክትባት
እንተደኣ ኣብ GGD ኮይንካ ተኸቲብካ ንሶም መዓስ፣ ኣበይን እንታይዓይነትክትባትን ከምዝተኸተብካ ይምዝገቡ እዮም።ምሉእብምሉእድሕሪ ምኽታብካ ነቶም ብዛዕባ ክትባትካ ዝገልጹ ውልቃዊ ሓበሬታታት ናትካ ብመንገዲ CoronaCheck ናይ ክታበት ምስክርወረቐት ምእንቲ ክዳለው ክምስርሑ እዮም። ነዚ ተባሂሉ ውልቃዊ ሓበሬታት ናትካ ናብ RIVM ክመሓላለፍኣየድልንእዩ። እንተደኣ ውልቃዊ ሓበሬታት ናትካ ን RIVMዝሃብካ ኮይንካእቶም ብዛዕባ ዝወሰድካዮ ክትባት ዝገልጹሓበሬታታትኣብ mijn RIVM ክሰፍሩእዮም።እዚእቲ ክትባት ክህልዎ ንዝኽእሉ ጐድናዊ ሳዕቤናትንምምዝጋብንነቲክትባትንምክልኻሉንጠቓሚኢዩ።
እንተደኣ ብዛዕባምዝገባ ዝምልከት ዝያዳሓበሬታደሊኻኣብ ናይ ሃገራዊመንግስቲወብሳይትክትውከስትኽእልኢኻ።
ንውልቃዊ ሓበሬታት ናትካ ብኸምዚ ኣገባብ ኢና ንዕቅቦምም፦
መንነትካ ዝፈልጥ ወላ ሓደ ሰብ የልቦን። ነቲ ናይ ክትባት መኽተቢ ቦታታት ትርእዮ መንነትካ ከይተፈለጥካ እዩ።
ኣብዚ ወብ ሳይት እዚ ዝዀነ ይኹን ውልቃዊ ሓበሬታት ናይ ሰባት ኣይነቐምጥን ኢና።
ሰባት ኣበየናይ ክፋል እዚ ወብ ሳይት ምብጻሕ ከም ዝገበሩ ጥራይ ኢና ንከታተል፣ እዚ ዝግበር ድማ ነዚ ወብ ሳይት እዚ ንምምሕያሽ ብምባል እዩ።